
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
SBS
Radio: SBS Chill
Categorias: Noticias y política
Escuchar el último episodio:
ናይ ሰኑይ 25 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ካብ ህንዲ ክፍለዩ ናይ ዝደልዩ ኣባል ሲክ ዝኾነ ሃርዲፕ ሲንግ ኒጃር ኣብ መሬት ካናዳ ምስ ተቐትለ ፡ ህንዲ ን ዜጋታት ካናዳ ቪዛ ምሃብ ኣቋሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ነቲ ብዛዕባ ሞት ነጃር ዝምልከት ኣብ ዝግበር መርመራ ህንዲ ኽትተሓባበር ጸዊዑ ኣሎ ።ነዚ ንካናዳን ህንድን ኣብ ዘይምስምማዕ ኣብጺሕወን ዘሎ ጉዳይ ዝድህስስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ድርድር ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ። ኣብ ኣስመራ “ሓያል ጻዕሪ ንምርግጋጽ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን” ብዝብል ቴማ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን፡ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጁቡቲ ተመያይጡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝያዳ ተጻዋርነት ከርእያ ጸዊዖም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ * ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ደቀንስትዮ ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ከተማ በርሊን ተዓዊታ፣* ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሾውኒ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 7ይ ወጺኡ፣* ኤርትራ ኣንጻር ሞሮኮ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ክትራኸብ ኣብ ዝተመደበትሉ ንሓያሎ ዓመታት ኣህጉራውያን ግጥማታ ብዘይምክያዳ ኣብ ተርታ ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከይተኻተተት ተሪፋ፣* ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣፍሪቃ 'ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ' ምስራዊት ጋንታ ኣልኣህሊ ንኢትዮጵያዊት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 3-0 ስዒራታ፣* ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወታ ሽቶታት ኣመዝጊቦም ኒውካስትል ዩናይትድ ንሸፊልድ ዩናይትድ ብገፊሕ 8-0 ስዒራታ፣ ሎሚ ሰኑይ ብምዃኑ ጣዕመ ዜማታት ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ዝግበር ምድማጽ ጀሚሩ። ** ፈረንሳይ ኣምባሳደራ ካብ ኒጀር ስሒባ ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።
Episodios anteriores
-
4677 - ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2023) Mon, 25 Sep 2023
-
4676 - ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ። Mon, 25 Sep 2023
-
4675 - ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ኣመዝጊባ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ፓሪስ 7ይ ወጺኡ፣ ግጥም ኣርሰናል-ቶተንሃም 2-2 ተዛዚሙ Mon, 25 Sep 2023
-
4674 - ወጥሪ ኣብ መንጎ ካናዳን ህንዲን መስርሕ ቪዛ ደው ክብል ኣብግቢሩ፥ መበኣሲአን እንታይ እዩ፧ Mon, 25 Sep 2023
-
4673 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መስከረም 2023) Sun, 24 Sep 2023
-
4672 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023) Thu, 21 Sep 2023
-
4671 - ብምቖት እናደደ ዝኸይድ ዘሎ ምድሪ፥ ዝገደደ ይመጽእ ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ይወሃብ Thu, 21 Sep 2023
-
4670 - ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ። Thu, 21 Sep 2023
-
4669 - ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧ Wed, 20 Sep 2023
-
4668 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መስከረም 2023) Wed, 20 Sep 2023
-
4667 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023) Mon, 18 Sep 2023
-
4666 - ኣብ ደርና/ሊብያ ብውሕዱ 891 ህንጻታት ከም እተደምሰሰን፡ ከንቲባ እታ ከተማ ድማ 20,000 ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ ኢሉ ። Mon, 18 Sep 2023
-
4665 - ጉዳፍ ጸጋይ ሓድሽ ክብረወሰን 5000 ሜ ኣመዝጊባ፣ ኣብ ተርታ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ 2 ኤርትራውያን ዝለዓለ ቦታ ሒዞም፣ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቅልውላው Mon, 18 Sep 2023
-
4664 - ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። (Report) Mon, 18 Sep 2023
-
4663 - እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትግርኛ ChatGPT እንታይ ረብሓ'ዩ ዘለዎ፧ መብርሂ ካብ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን Sun, 17 Sep 2023
-
4662 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2023) Sun, 17 Sep 2023
-
4661 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መስከረም 2023) Thu, 14 Sep 2023
-
4660 - ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። Thu, 14 Sep 2023
-
4659 - ምዕልቕላቕ ማይ ሊብያ፡ ብውሑዱ 10,000 ሰባት ጠፊኦም/ሞይቶም፡ ክሳብ ርብዒ ከተማ ደርና ዓንያ። Thu, 14 Sep 2023
-
4658 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መስከረም 2023) Wed, 13 Sep 2023
-
4657 - ምድላው ንፈተና ዜግነት ኣውስትራሊያ: መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ Wed, 13 Sep 2023
-
4656 - መልእኽቲ ሓድሽ ዓመተ 2016ን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ካብ ቐሺ ገብረብርሃን ፍስሃ Tue, 12 Sep 2023
-
4655 - ግብጺ ብዘይ መሓመድ ሳላሕ ንኢትዮጵያ ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሽወደን ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ Mon, 11 Sep 2023
-
4654 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2023) Mon, 11 Sep 2023
-
4653 - ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። Mon, 11 Sep 2023
-
4652 - መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ካብ መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለማርያም ሃይሉ፡ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርስበን። Mon, 11 Sep 2023
-
4651 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 መስከረም 2023) Sun, 10 Sep 2023
-
4650 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መስከረም 2023) Thu, 07 Sep 2023
-
4649 - ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። Thu, 07 Sep 2023
-
4648 - ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ክግበር እዩ፡ ንምንታይ "እወ" ወይ "ኣይፋል" ንምድማጽ ጎስጓስ ዝካየድ ዘሎ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ Thu, 07 Sep 2023
-
4647 - ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ኬንያ። Thu, 07 Sep 2023
-
4646 - ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት። Wed, 06 Sep 2023
-
4645 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መስከረም 2023) Wed, 06 Sep 2023
-
4644 - ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2023) Mon, 04 Sep 2023
-
4643 - ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ። Mon, 04 Sep 2023
-
4642 - ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛክስታን ተጸንቢሩ፣ ኣርሰናል ንማን ዩናይትድ ስዒራታ፣ ኒው ካስትልን ኣሌክሳንደርን ግን ሳልሳይ ስዕረት ተሰኪሞም፣ Mon, 04 Sep 2023
-
4641 - “ፖሊስ እስራኤል ዋጋ ኣኽፊሎሙና እዮም፡ ዳርጋ ግጥምና ምስ ፖሊስ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።” ሸዊት ሃይለ Sun, 03 Sep 2023
-
4640 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መስከረም 2023) Sun, 03 Sep 2023
-
4639 - ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ነሓሰ 2023) Thu, 31 Aug 2023
-
4638 - ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። Thu, 31 Aug 2023
-
4637 - ንልዕሊ 55 ዝጸንሐ ስድራቤታዊ ግዝኣት ጋቦን ወተሃደራዊ ዕልዋ ገጢምዎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ሻሙናይ ዕልዋ ኮይኑ ኣሎ። Thu, 31 Aug 2023
-
4636 - "ንዶ/ር ክብረኣብ ዓርኩ መጻሕፍ’ዩ ነይሩ።" ፋርማሲስትን ደራስን ተስፋይ መንግስ Wed, 30 Aug 2023
-
4635 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ነሓሰ 2023) Wed, 30 Aug 2023
-
4634 - ብዛዕባ ንዝተጎድኡ እንስሳ ዘገዳም ምሕጋዝ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) Wed, 30 Aug 2023
-
4633 - ኣማነ በሪሶን ጎትይቶም ገብረስላሰን ተመራሪሐን ብምእታው ንኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ዝለዓሉ መዳልያታት ኣምጺኤን፣ ቫን ዳይክ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብምህራሙ ብቐይሕ ወጺኡ፣ Mon, 28 Aug 2023
-
4632 - ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ ሰላም ናይቲ ክልል ዝምልከት ገምጋም ኣሳሊጡ። Mon, 28 Aug 2023
-
4631 - መራሕን ምክትልን ጉጅለ ዋግነር ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ፡ ህዝቡ ሓዘኑ ይገልጸሎም። Mon, 28 Aug 2023
-
4630 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ነሓሰ 2023) Sun, 27 Aug 2023
-
4629 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ነሓሰ 2023) Thu, 24 Aug 2023
-
4628 - ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ። Thu, 24 Aug 2023